እንታይ ትጽበ ኣለኻ ?
ሕጉስ ኩን
ክብርታትካ ኣለልይ: ህይወትካ ምስ ክብርታትካ ኣዛምዶም
ዕቑር ዓቕምኻ ኣማልእ
ፍሉይ ዝተዋህበካ ሞያዊ ዕቑር ዓቕሚ ኣለካ: ኣለልዮ ኣብ ጥቕሚ ኣውዕሎ
ለውጥታት ግበር
ለውጢ ከይጸዓርካ ኣይመጽን እዩ:: ብፍላይ ድማ ናይ ሞያ ለውጢ !
ሚዛን ምርካብ
ኣብ ስራሕካን ምስ ካልኦት ዘለካ ሓፈሻዊ ርክባት ሚዛናዊ ንክኸውን ጸዓር:: ብፍላይ ድማ ኣብመንጎ ሞያኻን ቤተሰብካን!
ናይ ሞያ ዓወት ስጉምትታት
1
ስጉምቲ ቁጽሪ 1
ነብስኻ ምፍላጥ
2
ስጉምቲ ቁጽሪ 2
እትፈትዎን እትሓልሞን ሞያ ምርካብ
3
ስጉምቲ ቁጽሪ 3
ኦንላይን ይኹን ብኣካል ስራሕ ምድላይ
4
ስጉምቲ ቁጽሪ 4
ኣድማዒ ዝኾነ ረዙመን ካቨርለተርን ምድላው
5
ስጉምቲ ቁጽሪ 5
ናይ ተለፎንን ብኣካል ዝግበር ቃለመጠይቅ :ምልምማድን ክእለትካ ምምዕባልን
6
ስጉምቲ ቁጽሪ 6
ንትሓልሞ ሞያኻ ንምርካብ ዘቃላጥፉ: ናይ ደቂ ሰባት መርበብካ ምስፋሕ
7
ስጉምቲ ቁጽሪ 7
ቃለመጠይቕ ብዓወት ምዝዛም
8
ስጉምቲ ቁጽሪ 8
ብዛዕባ ሞያኻ ቀጻሊ ዝኾነ ምዕባሌታት ከምዝህልወካ ምግባር
ስልጠና ምረጽ
1:1 ስልጠና
ናይ ኦንላይን ስልጠና
1:1 ስልጠና – “ንኽትስስን ተምሃር ” ዝብል ናይ ስራሕ ምድላይ መደብ:
እንታይ እገብር?
ነቶም ናይ ዝሓልምዎን ዝፈትውዎን ሞያ ንምርካብ ከይተሓለሉ ዝጽዕሩ: ዝለዓለ ዶሞዝ ዝኸፍልን ፍጹም ዝኾነን ስራሕ ንኽረኽቡ :ኣብ ኩሉ መድረኽ ናይ ስራሕ ምድላይ ዕማም ብምኽታል የሰልጥን::
ብኸመይ እዚ ዕማም እፍጽሞ?
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ “እትፈትዎም እትሓልሞን ስራሕ ርኸብ” ብዝብል ናይ ኦንላይን ስራሕ ምድላይ ስልጠና ዕማም ብምክያድ::
እቲ ስልጠና ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ኣገደስቲ ነጥብታት ይሓቁፍ :-
- እቲ ትኽክለኛ ሞያ ወይ ስራሕ ምምራጽ
- Linked in ተጠቒምካ ብኸመይ ናይ ሞያ መርበብካ ተስፍሕ
- ኣብ ቅድሚ ስራሕ ቆጸርቲ (recruiters) ብኸመይ ነብስኻ ፍሉጥ ትገብር :: ናይ Linked In ፕሮፋይልካን ናይ ቃለ-መጠይቅ እትረኽበሉ ጽሑፍካ(resume) ብኸመይ ተዳሉን ትግምግምን
- ንቃለ-መጠይቅ (Interview) ምድላው
- እቲ ዝበለጸ ናይ ስራሕ ህያብ ንምርካብ ብኸመይ ትመያየጥ
ስለምንታይ እዚ ኣገባብ ይሰርሕ?
ዓማዊለይ ኣብ ስራሕ ምድላይ እቲ ዝበለጸ ናይ ኢንዱስትሪ ስራሕ ምድላይ ጥራይ ዘይኮኑ ዝፈልጡስ : እቲ መፍትሕ ናይ ዝፈትውዎን ዝሓልምዎን ሞዮኦም’ዉን ክመሃሩ እዩም:: ንሱ ድማ ርእሰ ተኣማንነትን ንህይወቶም ኣተባባዒ ዝኾነ ራእይ ክሃንጹ እዮም::
እንታይ ፍሉይ ይገብረኒ?
ናይ ስልጠናይ መደብ ብፍላይ ነቶም ቃንቃ ትግርኛ ዝዛርቡ ኣብ መላእ ዓለም ተዋፊሮም ዘለው: ብሰንኪ ዝተፈላላዩ ምኽንያታት ምስ ኩሉ ትምህርቶምን ፍልጠቶምን ክእለታቶምን ኣብ ዓዲ ጓና መጺኦም ብሰንኪ ናይ ስራሕ ምድላይ ዘይምፍላጥ: ስራሕ ኣብ ምርካብ ብድሆታት ዘጋጥሞም ዝጸንሐን ዘሎን ዝፈትውዎን ዝሓልምዎን ሞያ ንምርካብ ዝዓለመ ስልጠና ዝህብ ኣሰልጣኒ እየ::
ነቶም ምስ ኩሉ ትምህርቶምን ፍልጠቶምን ክእለታቶምን ኣብ ዘይረብሕን ትሑትን ዝኾነ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ድማ ንቡርን ምስ ትምህርታዊ ዓቕምታቶም ዝሳነ ድሞዝ ዝረኽብሉ መንገዲ ንምርካብ ዝሕግዝ እየ::
ካልኦት ናይ ሞያ ኣሰልጠንቲ: ወላ’ካ ወረቐት ምስክር እንተሃለዎም: ቃንቃን ባህልን ልምድን ተሞክሮታትን ናይ ህዝብና ስለ ዘይብሎም: ኣድማዒ ዝኾነ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት የብለይን::
ናይ ስልጠና መደበይ ብፍሉይ ዝተሓንጸጸ: ብድሕሪ እቲ ስልጠና ብዕቱብ ብምዝዛም: ሰልጠንቲ ብክልተ እግሮም ጠጠው ንኽብሉን ዝዓለመ እዩ::
ከም ውጽኢት መደበይ: ከም ስራሕ ምድላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ ዓቕሚ ምምዕባል ዓይነት ክውሰድ ይከኣል::
ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ (psychology) ድሕረ ባይታይን : ተምሳጥ ናይ ርእሰ-ምዕባለ (self-improvement) ካብ’ዚ መደብ’ዚ ብሓድሽ ሞያ ጥራሕ ዘይኮንካ እትምረቕ ኣብ ህይወት ሓድሽ ጠመተ ከምዝህልወካ ዝገብር እዩ::
እዚ ድማ ናይ ሞያ ስልጠና ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ህይወት ስልጠና (Life Coach) ድሕረ ባይታ ስለዘለኒ እዩ::
ውጽኢት (Results)
ብዝሓት ዓማዊለይ:ነቲ ናይ ሞያ ስልጠና ብዕቱብ ተኸታቲሎም ድሕሪ ብዓወት ምዝዛሞም : ናይ ስራሕ ህያብ ምስ ዝፈትውዎ ኩባንያ ኣብ ዉሑዳት ኣዋርሕ ረኺቦም.
ስለምንታይ እዚ መደብ?
ልክዕ ከምቲ ብሃንቀውታ ክትዕወት እትደሊ : ኣነው’ን ዓወትካ ንምርኣይ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበን ዝጽዕርን :: ምክንያቱ ስራሕ ምድላይ ወይ ስራሕ ምቕያር ሞራል ከምዘውድቅን ተስፋ ምቕራጽ ከምዘኸትልን ስለዝፈልጥን ስለ ዝተሞከርኩን እየ::
ስልጠና ዘጠቓልሎ
- ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ 8 ቪድዮ ኮንፈረንስ ክፍለ-ግዜታት (video conference sessions)
- እትሓልሞ ስራሕ ርኸብ : ናይ ኦንላይን ስራሕ ምድላይ ስልጠና
- ዕዮ ገዛን ካልኦት ንጥፈታትን ሃብትታትን (resources)
- ቀጻሊ ርእይቶታትን ገምጋማታትን ብመንገዲ text ከምእዉ‘ን ናይ ድምጺ መልእኽትን ኣብ ውሽጢ እዚ ሰለስተ ወርሒ
- Resume & LinkedIn ግምገማ ምሃብ
- እትሓልሞ ሞያ ንምርካብ ዘኽእለካ መምርሒታት ምሃብ