እንታይ ትጽበ ኣለኻ ?



ክብርታትካ ኣለልይ: ህይወትካ ምስ ክብርታትካ ኣዛምዶም


ፍሉይ ዝተዋህበካ ሞያዊ ዕቑር ዓቕሚ ኣለካ: ኣለልዮ ኣብ ጥቕሚ ኣውዕሎ


ለውጢ ከይጸዓርካ ኣይመጽን እዩ:: ብፍላይ ድማ ናይ ሞያ ለውጢ !


ኣብ ስራሕካን ምስ ካልኦት ዘለካ ሓፈሻዊ ርክባት ሚዛናዊ ንክኸውን ጸዓር:: ብፍላይ ድማ ኣብመንጎ ሞያኻን ቤተሰብካን!

ናይ ሞያ ዓወት ስጉምትታት

1

ስጉምቲ ቁጽሪ 1

ነብስኻ ምፍላጥ
2

ስጉምቲ ቁጽሪ 2

እትፈትዎን እትሓልሞን ሞያ ምርካብ
3

ስጉምቲ ቁጽሪ 3

ኦንላይን ይኹን ብኣካል ስራሕ ምድላይ
4

ስጉምቲ ቁጽሪ 4

ኣድማዒ ዝኾነ ረዙመን ካቨርለተርን ምድላው
5

ስጉምቲ ቁጽሪ 5

ናይ ተለፎንን ብኣካል ዝግበር ቃለመጠይቅ :ምልምማድን ክእለትካ ምምዕባልን
6

ስጉምቲ ቁጽሪ 6

ንትሓልሞ ሞያኻ ንምርካብ ዘቃላጥፉ: ናይ ደቂ ሰባት መርበብካ ምስፋሕ
7

ስጉምቲ ቁጽሪ 7

ቃለመጠይቕ ብዓወት ምዝዛም
8

ስጉምቲ ቁጽሪ 8

ብዛዕባ ሞያኻ ቀጻሊ ዝኾነ ምዕባሌታት ከምዝህልወካ ምግባር

ስልጠና ምረጽ

1:1 ስልጠና

ናይ ኦንላይን ስልጠና

ኩሎም ኮርሳት ረኣዮም

1:1 ስልጠና – “ንኽትስስን ተምሃር ” ዝብል ናይ ስራሕ ምድላይ መደብ:

እንታይ እገብር?

ነቶም ናይ ዝሓልምዎን ዝፈትውዎን ሞያ ንምርካብ ከይተሓለሉ ዝጽዕሩ: ዝለዓለ ዶሞዝ ዝኸፍልን ፍጹም ዝኾነን ስራሕ ንኽረኽቡ :ኣብ ኩሉ መድረኽ ናይ ስራሕ ምድላይ ዕማም ብምኽታል የሰልጥን::  

ብኸመይ እዚ ዕማም እፍጽሞ?

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ “እትፈትዎም እትሓልሞን ስራሕ ርኸብ” ብዝብል ናይ ኦንላይን ስራሕ ምድላይ ስልጠና ዕማም ብምክያድ::

እቲ ስልጠና ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ኣገደስቲ ነጥብታት ይሓቁፍ :- 

  • እቲ ትኽክለኛ ሞያ ወይ ስራሕ ምምራጽ 
  • Linked in ተጠቒምካ ብኸመይ ናይ ሞያ መርበብካ ተስፍሕ
  • ኣብ ቅድሚ ስራሕ ቆጸርቲ (recruiters) ብኸመይ ነብስኻ ፍሉጥ ትገብር :: ናይ Linked In ፕሮፋይልካን ናይ ቃለ-መጠይቅ እትረኽበሉ ጽሑፍካ(resume) ብኸመይ ተዳሉን ትግምግምን
  • ንቃለ-መጠይቅ (Interview) ምድላው 
  • እቲ ዝበለጸ ናይ ስራሕ ህያብ ንምርካብ ብኸመይ ትመያየጥ 

ስለምንታይ እዚ ኣገባብ ይሰርሕ?

ዓማዊለይ ኣብ ስራሕ ምድላይ እቲ ዝበለጸ ናይ ኢንዱስትሪ ስራሕ ምድላይ ጥራይ ዘይኮኑ ዝፈልጡስ : እቲ መፍትሕ ናይ ዝፈትውዎን ዝሓልምዎን ሞዮኦም’ዉን ክመሃሩ እዩም:: ንሱ ድማ ርእሰ ተኣማንነትን ንህይወቶም ኣተባባዒ ዝኾነ ራእይ ክሃንጹ እዮም:: 

እንታይ ፍሉይ ይገብረኒ?

 ናይ ስልጠናይ መደብ ብፍላይ ነቶም ቃንቃ ትግርኛ ዝዛርቡ ኣብ መላእ ዓለም ተዋፊሮም ዘለው: ብሰንኪ ዝተፈላላዩ ምኽንያታት ምስ ኩሉ ትምህርቶምን ፍልጠቶምን ክእለታቶምን ኣብ ዓዲ ጓና መጺኦም ብሰንኪ ናይ ስራሕ ምድላይ ዘይምፍላጥ: ስራሕ ኣብ ምርካብ ብድሆታት ዘጋጥሞም ዝጸንሐን  ዘሎን ዝፈትውዎን ዝሓልምዎን ሞያ ንምርካብ ዝዓለመ ስልጠና ዝህብ ኣሰልጣኒ እየ::

ነቶም ምስ ኩሉ ትምህርቶምን ፍልጠቶምን ክእለታቶምን ኣብ ዘይረብሕን ትሑትን ዝኾነ  ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ድማ ንቡርን ምስ ትምህርታዊ ዓቕምታቶም ዝሳነ ድሞዝ ዝረኽብሉ መንገዲ ንምርካብ ዝሕግዝ እየ::

ካልኦት ናይ ሞያ ኣሰልጠንቲ: ወላ’ካ ወረቐት ምስክር እንተሃለዎም: ቃንቃን ባህልን ልምድን ተሞክሮታትን ናይ ህዝብና ስለ ዘይብሎም: ኣድማዒ ዝኾነ  ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት የብለይን::

ናይ ስልጠና መደበይ ብፍሉይ ዝተሓንጸጸ: ብድሕሪ እቲ ስልጠና ብዕቱብ ብምዝዛም: ሰልጠንቲ   ብክልተ እግሮም ጠጠው ንኽብሉን ዝዓለመ እዩ::

ከም ውጽኢት መደበይ: ከም ስራሕ ምድላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ ዓቕሚ ምምዕባል ዓይነት ክውሰድ ይከኣል::

ምስ ናይ  ስነ-ኣእምሮ (psychology) ድሕረ ባይታይን : ተምሳጥ ናይ ርእሰ-ምዕባለ (self-improvement) ካብ’ዚ መደብ’ዚ ብሓድሽ ሞያ ጥራሕ ዘይኮንካ እትምረቕ ኣብ ህይወት ሓድሽ ጠመተ ከምዝህልወካ ዝገብር እዩ::

እዚ ድማ ናይ ሞያ ስልጠና ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ህይወት ስልጠና (Life Coach) ድሕረ ባይታ ስለዘለኒ እዩ:: 

ውጽኢት (Results)

ብዝሓት ዓማዊለይ:ነቲ ናይ ሞያ ስልጠና ብዕቱብ ተኸታቲሎም ድሕሪ ብዓወት ምዝዛሞም : ናይ ስራሕ ህያብ ምስ ዝፈትውዎ ኩባንያ ኣብ ዉሑዳት ኣዋርሕ ረኺቦም.

ስለምንታይ እዚ መደብ?

ልክዕ ከምቲ ብሃንቀውታ ክትዕወት እትደሊ : ኣነው’ን ዓወትካ ንምርኣይ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበን ዝጽዕርን :: ምክንያቱ ስራሕ ምድላይ ወይ ስራሕ ምቕያር ሞራል ከምዘውድቅን ተስፋ ምቕራጽ ከምዘኸትልን  ስለዝፈልጥን ስለ ዝተሞከርኩን እየ:: 

ስልጠና ዘጠቓልሎ 

  • ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ 8 ቪድዮ ኮንፈረንስ ክፍለ-ግዜታት (video conference sessions)  
  • እትሓልሞ ስራሕ ርኸብ : ናይ ኦንላይን ስራሕ ምድላይ ስልጠና 
  • ዕዮ ገዛን ካልኦት ንጥፈታትን ሃብትታትን (resources)
  • ቀጻሊ ርእይቶታትን ገምጋማታትን ብመንገዲ text ከምእዉ‘ን ናይ ድምጺ መልእኽትን ኣብ ውሽጢ እዚ ሰለስተ ወርሒ
  • Resume & LinkedIn ግምገማ ምሃብ
  • እትሓልሞ ሞያ ንምርካብ ዘኽእለካ መምርሒታት ምሃብ 

ብዝበለጸ ክትፈልጥ ትደሊ? ንናይ 30 ደቂቕ ነጻ ምኽሪ


ኣብዚ ጠውቕ

እትፈትዎን እትሓልሞን ሞያ ንምርካብ ንናይ 3 ወርሒ ዝኸውን 1:1 ስልጠና ንምውሳድ ግዜ ከይወሰድካ ተመዝገብ


ተመዝገብ